ትግርኛ ኣብ ጉግል ንመእታው ኣብ ወርሒ ሕዳር ጽዑቕ ጎስጋስ ይግበር።

እዋናዊ ደረጃ ምዕባለ ትግርኛ ኣብ ጎግል ትራንስሌት

እንታይ ተገይሩ፧ እንታይ ከ ተሪፉ፧

  1. ኣብ 11 መስከረም 2020 ዝወጸ ሓዲሽ ዜና እንታይ ዝብል እዩ ነይሩ፧ ብመስከረም 2020 ኣብ ጎግል ትራንስሌት ዊኪፐዲያ ዝሕብሮ ጎግል ትራንስሌይት 109 ቃንቃታት ከም ዝትርጉም ተወሳኪ 60 ቃንቃታት ድማ ኣብ ናይ ምምዕባል ደረጃ ከመ ዝርከባ ገሊጹ። ትግርኛ ድማ ሓንቲ ካብተን 60 ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ቃንቃታት እያ። እዚ ማለት ግን ኣብዚ ሕጂ ግዜ ጎግል ትራንስለይት ብትግርኛ ክትርጉመልና ይክእል ማለት ኣይኮነን።ናይ ቃንቃ ትግርኛ ተዛረብቲ ሕብረተሰብ ግን ንጎግል ትራንስሌይት ዝከውን ምሉኣት ሓሳባት ኣብ ብምእካብ ሓገዞም ንከበርክቱ ማዕጾ ከፊቱ ኣሎ።
  2. ትግርኛ ኣብ ጎግል ትራንስሌይት ኣይረከብናዮን ንምንታይ ደኣ ሰባት ትግርኛ ኣብ ጎግል ትራንስሌይት ኣትዩ ይብሉ ኣለዉ፧ እወ፣ ዛጊት ትግርኛ ኣብ ጎግል ትራንስሌይት ንህዝቢ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ኣይጀመረን ዘሎ ። ክሳብ እዚ ሕጂ እዋን ኣብ ናይ ጎግል ትራንስሌይት ኮሙኒቲ እዩ ዘሎ። እዚ ማለት ድማ ሰባት ነቲ ናይ ትግርና ናብ ጎግል ትራንስሌት ኣብ ጥቅሚ ንምውዓል ዝካየድ መስርሕ ንክሕግዙ ይገብር። እዚ ዜና እዚ ነቶም ትግርኛ ናብ ምእታው ምንም ዘየበርክቱ ሰባት ትርጉም ዘይክህልዎ ይክእል እዩ፡ እንተኮነ ነዓና ነቶም ነዚ ክዉን ንምግባርን ዓመታት ዝደከምና ሰባት ግና ብጣዕሚ ዓቢይን ደስ ዘብል ዜና እዩ። ትግርኛ ኣብ ናይ ምምዕባል መስርሕ ብምእታዉ ድማ ነቲ ጽንኩር ኩነታት ከም ዝሓለፍናዮ ዘመልክት እዩ። ካብ ሕጂ ንድሓር እቲ ዕዮ ናባና ናብ ናይ ትግርኛ ተዛረብቲን ተተቀምቲ ሕብረተሰብ እዩ። ነቲ ዝድለ ዘሎ ዝከውን እኩልን ጽፉፍን ምሉኣት ሓሳባት ብምሃብ ነዚ ዜና እዚ ናብ ተፈጻምነት ነብጽሓዮ።
  3. እንታይ ምግባር እዩ ዝድለ ዘሎ፧ ጎግል ትራንስሌት ናይ ማሽን ምምሃር ኣልጎሪዝም እዩ። ኣብ ውሽጡ ብጣዕሚ ብዙሓት ናይ እንግሊዘኛ ምሉኣት ሓሳባት ይሕዝ፣ ክሳብ ዝተካእለና መጠን ካብዞም ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ምሉኣት ሓሳባት ብብዝሒ ምስ እንትርጉም ድማ እታ ማሽን ነዚ ናይ ትግርኛ ምሉኣት ሓሳባት ተተቂማ ናይ ትግርኛ ስዋስውን ፊደላትን ክትመሃር ይሕግዛ። እቲ ዝድለ ዘሎ ዓቀን ምሉኣት ሓሳባት ምስ ኣከለ ደማ ትግርኛ ከምተን ካል ኦት ቃንቃታት ዝህብኦ ኣገልግሎት ዝኮነ ምሉኣት ሓሳባት ኣብ ምትርጋም ኣብ ጎግል ትራንስሌት ብወግዒ ኣገልግሎት ክህብ ይጅምር። ካብን ናብን ትግርኛ  ናብ ዝተፈላለዩ ቃንቃታት ድማ ብዘይ ጸገም ክንትርጉምን ክንጥቀምን ንክእል። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ንሕና ከም ተዛረብትን ተተቀምቲ ቃንቃ ትግርኛ ነዚ ዝድለ ዘሎ ትርጉም ክንህብ ይግባእ። እዚ ድማ እዩ እቲ ተሪፉ ዘሎ ዕዮ።
  4. ኣብ tigrinyatranslate.com ዘሎ ናይ ትግርኛ መተርጎሚ እንታይ እዩ፧ ንብዙሕ ዓመታት ንጎግል ብዛዕባ ምእታው ትግርኛ ናብ ጎግል ትራንስሌት ክንሓትት ጸኒሕና። ኣብ 2016 ድማ ተስፋ ቆሪጽና ባዕልና ክንገብሮ ክንሰርሕ ጀሚርና ። ጎግል ብዘይካ እቲ ብነጻ ዝህቦ ኣግለግሎት ናይ ጎግል ትራንስሌት AutoML Translation ዝበሃል ከፊልካ ክትሰርሓሉ ትክእል ኣገልግሎት ኣለዎ። ናይ ባዕልካ እንግሊዘኛ ምሉኣት ሓሳባት ምስ ናይ ትግርኛ ትርጉም ምስ ዝህልወካ ኣብዚ AutoML ትእትዎ እሞ ከም ጎግል ትራንስሌት ድማ ኮይኑ ይሰርሓልካ ። ዝሓለፈ 4 ዓመታት ድማ ነዚ ብምስራሕ ናብ ህዝቢ ብምቅራብን ካብ 5 ዝተፈላለዩ ቃንቃታት ናብ ትግርኛ ክትርጉም ጸኒሑ። እሱ ድማ ኣብዚ https://www.tigrinyatranslate.com/main/translate.php ይርከብ።

ካብዚ ዝጸንሐ tigrinyatranslate.com ናብ google translate  ምስጋር ክልተ ጥቅምታት ኣለዎ

  1. ጎግል ትራንስሌት ናይ ሕብረተሰብ ሓገዝ ስለ ዘለዎ ዝበለጸ ናይ ምትርጋም ስራሕ ይሰርሕ
  2. ጎግል ትራንስሌት ዝህቦ ኣገልግሎት ብነጻ እዩ ስለዚ ድማ ነቲ ክንከፍሎ ዝጸናሕና ናይ AutoML ትራንስሌት መግበሪ ምክፋል ኣየድልየናን

ይኩን ደኣ እምበር ጎግል ትራንስሌት ዘድልዮ ምሉኣት ሓሳባት ናይ ትግርኛ ኣኪቡ ክሳብ ወግዓዊ ኣገልግሎት ክህበና ዝጅምር tigrinyatranslate.com ከም ዘለዎ ናይ ምትርጋም ኣገልግሎቱ እንዳሃበ ክጸንሕ እዩ።

  • ብከመይ ክንገብሮ ንክእል፧
  • ጎግል ትራንስሌት ሓደ ኣገዳሲ ናይ መዓልታዊ ሂወትና ንጥፈታት ኮይኑ ኣሎ። ምእታው ትግርኛ ናብ ጎግል ትራንስሌት ድማ ሓደ ሓዲሽ ምዕራፍ ኣብ ናይ Tigrinya digitization እዩ። ስለዝኮነ ድማ ብዕቱብ ኣካይዳን ውዳበን ክንሰርሓሉን ክንርእዮን ይግባእ።

ነዚ ክዉን ንምግባር ድማ ክንውደብን ነቲ ዕማም ድማ ብከምዚ ዝስዕብ ኣብ ዝተፈላለየ ጉጅለታት ክንከፋፍሎ ንክእል

  1. ተርጎምቲ፥ ምሉኣት ሓሳባት ናብ ትግርኛ ዝትጉሙ
  2. ኣጽደቅቲ፥ ንዝተተርጎመ ምሉኣት ሓሳባት ዝመምዩ
  3. ኣምባሳደራት ፥ ንህዝቢ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ኮምኡ’ውን ተወሰክቲ ወለንታውያን ተሳተፍቲ ኣብ ምምጻእ ዝነጥፉ
  4. ናይ ቃንቃ ክኢላታት፥ ኣብ እዋን ምትርጋም ናይ ዘጋጥሙ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኮነ ምድንጋራት ንምፍታሕብ ምቅላልን ዝነጥፉ
  5. ናይ IT ክኢላታት፥ ቲክኒካዊ ሕቶታት ዝምልሱ፡ ን ኣብነት ከም Installation, ናይ ትግርኛ መጽሓፊ keyboard, Google account setup/login, ሓፈሻዊ ሕቶታትን መልስታቶምን መዝገብ ምድላውን

እዚ መዝገብ እዚ ድማ ካብዞም ልዒሎም ዝተጠቅሱ ጉጅለታት ንዝመጽእ ሓፈሻዊ ሕቶታት ንምምላስ ይጠቅም።

ብከመይ ተበርክት

እንታይ ተገይሩ፧ እንታይ ከ ተሪፉ፧

  1. ብከመይ ከበርክት ይክእል
    1. ናብ https://translate.google.com/ ብምካድ  Community ዝብል ጠውቕ። ናብ ጎግል ኣካውንትካ እንተዘይ ኣቲካ ኣቀዲምካ ኣብኡ ክትኣቱ ክትሕተት ኢካ\ኪ
    2. ብምቅጻል Get Started ዝብል ንጥውቅ
    3. ናብ ዝርዝር ናይ እንፈልጦም ቃንቃታት ንምውሳክ ድማ  ትግርኛ ዝብል ንድለ
    4. ትግርኛ ዝብል መሪጽና ድማ Continue ንጠውቅ
    5. ሕጂ ክንትርጉም ወይ ውን ኣቀዲሞም ዝተተርጎሙ ክንመሚ ንክእል፡ Translate ዝብል ድማ ንመርጽ
    6. ነቲ ዝተዋህበና ምሉ ኣት ሓሳባት ድማ ኣብዚ ናብ ትግርኛ ተርጊምና ንጽሓፍ። ምስ ወዳእና ድማ Submit ንጠውቅ፥ ንምትርጋሙ ምስ ዝከብደና Skip ጠዊቅና ክንሰግራ ንክእል።  
    7. ዘይፈልጦም ናይ እንግሊዘኛ ቃላት ምስ ዝረከብ እንታይ ክገብር ኣለኒ፧
    8. ዝበለጸ መንገዲ ኣብ ዲክሺነሪ geezexperience.com ምርኣይ ይከኣል። geezexperience.com ካብ ዝተፈላለዩ 8 ቃንቃታት ናብ ትግርኛ ዝትርጉም ዲክሺነሪ ኣለዎ።  ሓደ ቃል ካብ ሓደ ንላዕሊ ትርጉም ክህልዎ ስለ ዝክእል ድማ ምስቲ ምሉእ ሓሳባት ዝከይድ መሪጽና ንጠቀም።
    9. ከምኡ ድማ ኣብዘን ዝስዕባ ናይ ፈይስቡክ ግሩፕ ክንሓትት ንክእል
      1. ላዛ ትግርኛ
      2. ማሕዘል ፍልጠት
  1. ብከመይ ንዘጋጥሙ ናይ ቃላት ምዝንባዓት ኣወጊድና ሓደ ዓይነት መስርሕ ንክተል፧
    1. ዝበዝሑ ጸሓፍቲ ናይ ትግርኛ መጽሓፍቲ ከም በዓል ፕሮፌሰር ስብሃቱ ን ካልኦትን ነዘን ዝስዕባ ቀለልቲ ናይ ትግርኛ ኣጸሓሕፋ ሕግታት ክንክተል ይመክሩ። ስለዚ ነዘን ዝስዕባ ሕግታት ተከቲልና ብስሙር ዝኮነ ኣገባብ ምሉኣት ሓሳባትና ንተርጉም
    2. ሠ ፀ ኀ ዝብሉ ፊደላት ነወግድ፥ እዚኣቶም ናይ ኣምሓረኛ እምበር ናይ ትግርኛ ፊደላት ኣይኮኑን
    3. ዘይከም ኣምሓረኛ እዞም ዝስዕቡ ፊደላት ዝተፈላለየ ኣደማምጻ እዩ ዘለዎም። በዙ ዝስዕብ ድማ ንጠቀመሎም። ኣብ መንጎ ሀ / ሄ – አ/ኣ – ሀ/ሐ ንኣብነት. በርሀ (ቅኑዕ) / በርሄ (ዘይቅኑዕ). ኣስመራ (ቅኑዕ) / አስመራ (ዘይቅኑዕ).
    4. ሳልስ ኣብ መጀመርታ ናይ ሓደ ቃል ኩሉ ግዜ ጌጋ እዩ፣ ስለዚ ኣቀዲምካ ካብ ሳልስ ናብ ሳድስ ክትቅይሮ ትክእል እንተኮይካ ሕሰብ። ንኣብነት ክመጽእ (ቅኑዕ)/ ኪመጽእ(ዘይቅኑዕ)፣ እዩ ( ቅኑዕ)/ ኢዩ(ዘይቅኑዕ)
    5. ብዝተካእለ መጠን ሓምስ ኣወግድ። ትማሊ ኣትየ (ቅኑዕ) / ትማሊ ኣቴ(ዘይቅኑዕ)
    6. ዝዝረብ ን ዝጽሓፍን ንፈላልዮ፥ ንኣብነት ሎሚ መዓልቲ Vs ሎመዓንቲ

ካልእ ተወሳኪ መምርሒታት ምስ እትረክቡ ከምኡ’ውን ተደጋገምቲ ጌጋታት ከነወግዶም ዝግበኣና ምስ እትረክቡ ነዚ ዝርዝር ክንውስከሉ ይግባእ